×
እዚአ ጹሑፍ ሲለ ሞቲን ናይ ሞት ጸንዓትን(ናይ ሞት ሳካራትን )ዝትገልጽ ጹሑፍ ኢያ

    ሞቲን ናይ ሞት ሳካራትን

    ደራሲ

    ዳር - አል - ኑር

    —™

    ከላሲ ( ዳጊም አራሚ)

    ካሊፋ ሐማድ እስማዕል

    ዓብዱልቃድር ሙሐመድ አዋል

    الموت وسكراته

    اسم المؤلف

    دار - النور

    —™

    تحقيق

    خليفة حمد اسماعيل

    عبد القادر محمد أول

    بسم الله الرحمن الرحيم


    ኣላሁ (ሱ.ወ) ኣብ ቁርኣን: ካብዛ ሞት ናብ ድላይና እንተሃደምና: ናብ ነምልጦ ከምዘይብልና: ከተርክበና ምዃና: ናብቲ ኩሉ ዘይሕበኦ ኣላህ ተመሊስና ድማ ብዝፈጸምናዮ ኩሉ ክሕብረና ምዃኑ ክሕብረና እንከሎ ከምዚ ክብል ይነግረና ኣሎ:

    قُلْ إِنَّ الْمَوْتَ الَّذِي تَفِرُّونَ مِنْهُ فَإِنَّهُ مُلَاقِيكُمْ ثُمَّ تُرَدُّونَ إِلَى عَالِمِ الْغَيْبِ وَالشَّهَادَةِ فَيُنَبِّئُكُم بِمَا كُنتُمْ تَعْمَلُونَ


    ኣብዛ ኣያ እዚኣ ሞት ይመጽእ ምዃኑ: ኩሉ ኣብ መንገዲ ዝመጽእ ዘሎ ድማ ቀረባ ምዃኑ: ሓደ'ውን ይኹን ካብዛ ናይ ረቢ ፍርድን ውሳኔን ዘምልጥ ከምዘየለ: ኩሉ ነገር ክሳብ መዓልቱ እምበር ንሓዋሩ ዝነብር ከምዘየለ: ካብዛ ሞት መላኢካ ኮነ ነብይ ወላሓደ ከምዘይተርፍ ይሕብረና ኣሎ።


    كُلُّ نَفْسٍ ذَائِقَةُ الْمَوْتِ ۗ وَإِنَّمَا تُوَفَّوْنَ أُجُورَكُمْ يَوْمَ الْقِيَامَةِ ۖ فَمَنْ زُحْزِحَ عَنِ النَّارِ وَأُدْخِلَ الْجَنَّةَ فَقَدْ فَازَ ۗ وَمَا الْحَيَاةُ الدُّنْيَا إِلَّا مَتَاعُ الْغُرُورِ


    ''ኩሉ ነብሲ ዝሓዘ ፍጡር ሞት ክቐምስ (ክጥዕም) እዩ: ኣብ የውመል-ቅያማ ዓስቢ ናይ ስራሕኩም ክትረኽቡ ኢኹም: ካብ ጀሃነም ተገላጊሉ ንጀና ዝኣተወ ተዓዊቱ እዩ:: ናይ ኣዱንያ ሓጎስ እኳ ግዚያውን መታለልን (መዐሸውን) እዩ'' ይብል::
    እቲ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ፈሊጡ: ሞት መጻኣይ ምዃኑ ኣስተውዒሉ: ቀብሪ ሰፈሩ ምዃና ኣስተብሂሉ: ፍልሖ መዳቕስቱ: ሙንከሪን ነኪርን ድማ ኮፍ መባህልቱ ምዃኖም ኣስተንቲኑ ንኼር ዝተጓየየ: ሰናይ ተግባር ኣብዚሑ ነዚ መዓልቲ እዚ ዝጠቕሞ ዘሕለፈ ሰብ ለባም እዩ። ረሱል (ሰ.ዓ.ወ): ''ነቲ ንመቐረትን ሓጎስን ኣብሪሱ ዘብንን ሞት ካብ ምዝካሩ ኣይትቖጠቡ'' ኢሎም: ምኽንያቱ እቲ ንሞት ብቐጻሊ ዝዝክር: ንብድሕሪ ሞት ዘሎ ግዜ ዝኾኖ ጽቡቕ ስራሕ ይሰርሕ: ንዕኡ ድማ ይዳሎ።

    ክቡራት ሙስልሚን!

    እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት: ሰዓተ ፍጻሜ: መላኢካ ናይ ሞት መጺኡ: ኣንቲ ብጽእቲ ዝኾንኪ ነብሲ: ናብ ናይ ረብኺ ራሕማን ፍቶትን ክትከዲ ውጺ ኢሉ ነታ ብሰናይ ተግባር ዝማዕረገት ነብሲ ክጽወዓ እንከሎ: ነታ ብዘንብን ብሕማቕ ተግባራትን ዝማህመነት ነብሲ ድማ: ኣንቲ ርኽስቲ ነብሲ ናብ ናይ ረብኺ ቁጠዐን ነድርን ውጺ ዝበሃለሉ ሰዓት እዩ።


    እቲ ለባም: እዛ ሰዓት እዚኣ መጻኢኻ ወይ ንጀና ወይ ንጀሃነም ምዃኑ ትውስን ወሳኒት ሰዓት ምዃና ይፈልጥ። ነዚ ዝፈለጠ ሰላቱ ኣብ ሰዓቱን ግዚኡን ይሰግድ: ረቢ ዝሓገገሉ ጾምን ተወሳኺ ሱናን ይጸውም: ጠባዩ ምስ ከባቢኡ የጸብቕ: ግቡኡ ኣብ ልዕሊ ረብን ኣብ ልዕሊ ፍጡራትን ሓንቲ ከየጉደለ የማልእ: ቶብኡ ቀጻሊ የሐድስ: ተጋግዩ ዘንቢ እንተገበረ ተጣዒሱ ናብ ረቡ ይምለስ: ሞት ዘኪሩ ንድሕሪ ሞት የዳሉ።


    ኣብዛ ወሳኒት ሰዓት እዚኣ: ገንዘብካ ኮነ ውላድካ: ዘመድካ ኮነ መቕርብካ: ሓውኻ ኮነ ዓርክኻ ዘየገላግልካ: ቁራጽ ጨርቂ ተጠቕሊልካ: ኣብ ጣውላ ተጋዲምካ: ኣብ ሞንኮብ ኣጓብዝ ተወጢሕካ: ''ደቀይ: የሕዋተይ መቕርበይ: ከማኹም ትማሊ ኣብዛ መሬት ይንቀሳቀስ: ብገንዘበይ ይንስነስ ነይረ: እዛ ኣዱንያ ኣይተዐሽኹም: ካብትን ካብትን ኢለ ብሓላልን ብሓራምን ዝኣከብክዎ ይገድፈልኩም ኣለኹ ተመትዕሉ: ሒሳቡ ግና ኣነ ክስከሞ እየ '' እንተበለ መን ክሰምዖ?


    ኣብታ ጸባብ: ጸልማትን ኩርካሕን ጉድጓድ የእትዮሙኻ ምስ ተዓዝሩ: እምኒ ኣተርኢሶም ሓመድ ከዲኖምኻ ምስተመርቀፉ: ካብ ረቢ ጸዋዓይ ይጽውዕ: ኣንታ ወዲ ኣደም ኩሎም ገዲፎምኻ ከይዶም: ኣብ ሓመድ ደፊኖምኻ: ምሳኻ እንተትርፉውን ኣይምጠቐሙኻን: ብጀካይ ዝተረፈ የለን: ኣነ እየ ህሉው ዘይመዋቲ ይብሎ።


    ንመዋቲ ስለስተ ነገራት ይስዕብዎ: ገንዘቡ: ቤተሰቡን ስርሑን። ገንዘቡ ኣብ ገዝኡ ይተርፍ ካብ ገዝኡ ከይወጸ የፋንዎ: ቤተ-ሰቡን መቕርቡን ድማ ክሳብ ቀብሩ ኣሳልዮም ኣብ ጉድጓድ የእትየሞ ይምለሱ: ስርሑ ጥራይ ንበይኑ ምስኡ ናብ ቀብሩ ይጽንበሮ። እቲ በዓል ሕማቕ ተግባር ክንደይ ተዋሪዱ: ተሓሳሩ ወይትጉዱ እቲ ዘንበኛ: እቲ ሕማቕ ተግባሩ ብምስሊ ክፉእ ሰብኣይ: ምስ ሕማቕ ሽታ: ሕማቕ ትርኢት ኮይኑ ይመጾ እሞ: ''መን ኢኻ ንስኻ ብሕማቕ እንተዘይኮይኑ ኼር ዘይረኣየካ'' ክብል ይሓቱሞ: ''ኣነ እየ እከይ ተግባርካ: ኣንታ ንሕማቕ ትቕልጥፍ ንጽቡቕ ትዱንጊ ዝነበረካ'' ይብሎ። መዋቲ በዓል ሰናይ ተግባር እንተኔሩ ድማ ጽቡቕ ተግባሩ ብምስሊ ምዕሩግ ሰብኣይ: ብሩህ ገጽ: ጥዑም መኣዛ ሽቶ ዘልዎ ጨና ሃነን እንዳበለ ይመጾ እሞ: ''መን ኢኻ ብኼር ዝመጻእካኒ'' ክብል ይሓቶ: ''ኣነ እየ ጽቡቕ ተግባርካ: ንኼር ዘይትቕደም ቅልጡፍ: ኣብ ዘንቢ ድማ ደንጓይን ዘይትቀዳደምን ይብሎ: ንጁምዓን ጀመዓት ዘይትቕደም: ካብቶም ሰብ ጾምን ሰላትን: ካብቶም ሰብ ሰደቓን ወሃብትን: ካብቶም ሰብ ቢርን ኢሕሳንን እንዲኻ ኔርካ:: ካብቶም ሰብ ዘንብን ሰብ ሕማቕ ተግባራትን ዘይኮንካ: ንደቂ ሰባት በዳልን ዓመጸትን ዘይነበርካ'' እንዳበለ ይመጾ።


    ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) እቶም ዝበለጹ ፍጡር: ኢማም ናይ ነብያትን ልኡኻትን: ኣብነት ናይቶም ሰብ ተቕዋን ሙእምኒን ዝኾኑ ዝኸበሩ ፍጡር: ሞት መጺኡ ሕማሞም ምስ በርትዐ: ጓሎም ፋጢማ (ረ.ዓ) ''ኣቦይ ረኺብዎ ዘሎ ቃንዛን ሽግርን'' ምስ በለት: ረሱል (ሰ.ዓ.ወ): ''ድሕሪ እዚ መዓልቲ እዚ ኣቦኺ ሽግር ዝበሃል ኣይክህልዎን እዩ'' በልዋ። ስትና ዓኢሻ ''ኣብ ሕቕፎይ ኮይኖም ሰከራተል-ሞት በርቲዕዎም ኢዶም ሓፍ ኣቢሎም ''ያ ኣላህ እዚ ዘለኽዎ ሰከራተል-ሞት ኣቕልለለይ ኢሎም ዱዓ ይገብሩ ነይሮም'' ትብል። እዚኦም መን እዮም? ረሱል እኳ እዮም ንሓንቲ ደቒቕ'ውን ትኹን ኣብ ዘንቢ ወዲቖም ዘይፈልጡ: ምሉእ ለይቲ ክሳብ የእጋሮም ዝሓብጥ ቅያመ-ለይል ጌሮም ዝሓድሩ: ንክልተ መዓልቲ: ንሳልስቲ: ንሰሙን ዝኣክል ብዘይ መግብን መስተን ብጾም ኣከታቲሎም ዝጾሙ ዝነበሩ: ካብ ሚስኪ ዝጠዓሙ: ፍርዶም ፍትሒ: ዘረብኦም ሓቂ: መሪሒነቶም ርትዒ: እንተኾነ ኣብታ ሰዓተ-ፍጻሜ ከምዚ ዝሰማዕናዩ ሰከራተልሞት ኣጋጢምዎም::


    ሰይድና ኣቡበከር ብጀና ዝተበሰሩ: ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ኣበርክትኦም ነዚ ዲን ዝመስከርሎም: ገንዘቦምን ነብሶምን ነዚ ዲን ንምዕዋት ዘወፈዩ ሰሓቢ'ውን ዕጫ እዛ ሰከራተልሞት ኣይምልጠቶምን::


    ሰይድና ዑመር'ውን እንተኾነ: ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ፋሩቕ (ንሓቅን ሓሶትን ዝፈላለየ) ኢሎም ቅጽል ዝሃብዎ: ሰይጣን ንዕኦም እንተሪኡ መንገዱን ኣንፈቱን ከምዝቕይር ዝመስከርሎም ሰብኣይ: ብጀና ዝተበሰሩ: ክሞቱ መዓልቲ ኣብ ጊዜ ጸወታን ዕብዳንን ዘይኮነ: ኣብ ግዜ ሰላት: እሞ ድማ ኣብ ሰላተል ፈጅር ካራ ኣትይዎም: ተሰኪሞም ንገዝኦም ምስ ወሰድዎም: ጸባ ኣስትዮም ኮፍ ኣበልዎም: ክሞቱ ምዃኖም ዝተረደኦም ንሰይድና ዑመር እንታይ ትምዕደና ምስ በልዎም: ንወዶም ዓብዱላህ ''ኪድ ንዓኢሻ ኮድካ ኣብ ጎኒ ረሱልን ኣቡበከርን ክቕበር ፍቐድለይ በላ: እንተኣፍቂዳትለይ ጽቡቕ: እንተዘይኮነ ድማ ምስቶም ዝተረፉ ሙስሊሚን ቅበሩኒ'' በሎም: ኣስዒቡ ''ዓብዱላህ ወደይ ክሳደይ ኣብ መሬት ድፍኣኒ'' ድሕሪ ምባል ዓሚቕ ብኽያት እንዳበኸዩ ''ያ ዑመር ረቢ እንተዘይርሒሙልካ ጠፊእካ ኢኻ'' ክብሉ ተሰምዑ:: እዚኣቶም ነዚ ዲን ብኽሉእንትኦም ዘወፈዩ ጀና ምዃኑ መዕለቢኦም ዝፈለጡ እዮም: ንሕና ኸ ናበይ እዩ ኣንፈትና ዘይንፈልጥ: መዓልቦና ናብታ ጎድና ክንዲ ርሕቀት ሰማይን መሬትን ዝኾነት ጀና ዲና ወይስ ካብቶም ሩሖም ኣብታ ሓው ጀሃነም ተኣሲራ ናይ ዓሞቕቲ ዓማቕ ዝኾነት ኢና ክንነብር ዘይንፈልጥ ሰባት እንታይ ክንብል ይገበኣና?

    ክቡራት ሙእምኒን!

    ሞት: ከልካሊ ዘይብላ: ዓርኪ ዘይትፈልጥ: ንሓጎስ ናብ ሓዘን ትቕይር: ነህዛባት ዘጽነተት: ነቆልዑት ዘዘኽተመት: ንመራሕትን ንነጋውስን ዘራኸሰት ፍጻሜ እያ!
    ሞት: ንንእሽተይ ዘይትድንግጽ: ንዓቢ ዘይተኽብር: ንሰብ ስልጣንን ሃብታማትን ዕድል ዘይትህብ: ማዕጾ ከይኳሕኩሐት ትኣቱ: ተሌፎን ከይደወለት ትመጽእ: ንኽትዳሎ ዕድል ዘይትህብ ፍጻሜ እያ!


    ሞት: ባብ እያ ኩላትና ንኣትዋ: ኩባያ ማይ'ውን እያ ኩላትና ንሰትያ: መንገዲ እያ ኩላትና ንኸዳ: መሳልል እያ ኩላትና ንሓኹራ!


    ሞት: ነዒንቲ ዘንበዐት: ንልቢ ዝሰበረት: ንእኩባት ዝበተነት: ንሓጎስ ዘፍረሰት: ንተስፋታት'ውን ዘማህመነት!


    " كُلُّ مَنْ عَلَيْهَا فَانٍ * وَيَبْقَى وَجْهُ رَبِّكَ ذُو الْجَلَالِ وَالْإِكْرَامِ "

    اللهم ارحم المؤمنين والمؤمنات و المسلمين والمسلمات الأحياء منهم والأموات