×
እዚአ ሙሐዳራ ሲለ : ሓቅነት ናይ ዒሳ



    ኣሰላሙ ዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካቱሁ!


    እዚ ዘለናዮ ቕንያትን: ዓመት ዓመት ኣብዚ እዋን ብዛዕባ ሰይድና ዒሳ (ዓ.ሰ) ብዙሕ ነገር ይበሃልን ይዝረብን:: ብዙሓት ኣለው ንፈትዎ ኢና በሃልቲ: ዓመት መጸት መዓልቲ ልደቱ እዩ እንዳበሉ የብዕሉን ፌስታ ይገብሩን: ብዙሓት ድማ ኣለዉ ብዛዕባ ሰይድና ዒሳ ጌጋ ሓበሬታ: ግጉይ መረዳእታን: ናይ ጥፍኣት ኣኽባርን በጺሕዎም: ጌጋ ካብ ሓቂ ክመምዩ ስለ ዘይከኣሉ ከይሓፈሩ ፈጣሪ እዩ ክብሉ በቒዖም:: ንሕና ሙስሊሚን ግና ኣልሓምዱሊላህ ብመንገዲ ነብይና ሙሓመድን: በቲ ካብ ሸውዓተ ሰማይ ብመንገዲ ጂብሪል ጌሩ ዝመጸና ኸበር ናይ ቁርኣንን: መንነት ዒሳ (ዓ.ሰ) ክንፈልጥ ክኢልና ኢና:: ብተወሳኺ ንሕና ሙስሊሚን ካብቶም ንፈትዎም ኢና በሃልቲ ንላዕሊ ንፈትዎምን ነኽብሮምን ጥራይ ዘይኮነ ብሰይድና ዒሳን ብኻልኦት ነብያትን ምእማንን ምምስካርን ሓደ ካብቲ ዓንዲ ናይ ኢማን ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና::

    ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ንሰይድና ዒሳ ዝምልከት ድማ ከምዚ ይብሉ:- '' ኣነ ንዒሳ ብቐዳምነት ይብጽሖ: ከመይሲ ኣብ ሞንጎይን ኣብ ሞንጉኡን ዝኾነ ነብይ ኣይተላእከን! '' ኢሎም::

    ክቡራት ሙስሊሚን የሕዋተይ: ረቢ (ሱ.ወ) ንሰይድና ዒሳ ኣብ ቁርኣን ኣብ 33 ጥቕሲ: ኣብ 13 ሱራ ናይ ቁርኣን ብምዝካር ክሳብ የውመልቅያማ ቁርኣን ኣብዝቐራኣሉ ግዜ እንዳተዘከረ ክምዝነብር ጌርዎ እዩ:: ሓንሳብ ብሽሙ (ዒሳ ኢብኑ መርየም): ሓንሳብ ብሳጉኡ (መሲሕ): ሓንሳብ ድማ ብሳጉኡን ብሽሙን (መሲሕ ዒሳ ኢብኒ መርየም): ተባሂሉ ተጠቒሱ ንረኽቦ:: ረቢ (ሱ.ወ) ኣወላልድኡ ተኣምራትን ዝዓበየ ምልክትን ጌሩ ንደቂ ሰባት ዓቢ ፈተነ ጌርሎም:: ከምቲ ረቢ (ሱ.ወ) ንሰይድና ኣደም ብዘይ ኣቦን ብዘይ ኣደን: ንሓዋእ (ሄዋን) ድማ ብዘይ ኣደ ካብ ኣቦ ጥራይ ክፈጥሮም ዘይሸገሮን ዘየጸገሞን: ንሰይድና ዒሳ ድማ ካብ ኣደ ጥራይ ብዘይ ኣቦ ከምዝውለድ ጌሩ:: እቶም ዝተረፍና ድማ ካብ ኣቦን ካብ ኣደን ተወሊድና:: ብኸምዚ ኣገባብ ረቢ (ሱ.ወ) ኩሉ ዓይነት ናይ ኣፈጣጥራ ተኽእሎታት ብግብሪ ኣርእዩና::


    ኣዲኡ ስትና መርየም ክትወልድ ምዃና ምስ ተበሰረት: ጌሩሙዋ ጋን ምስ ኮና: ረቢ (ሱ.ወ): ''ንደቂ ሰባት ምልክት (ተኣምራት) ጌርናዮ ኣለና ከምኡ'ውን ራሕማ: እቲ ነገር ድማ ተወሲኑ እዩ''


    قَالَ كَذَلِكِ قَالَ رَبُّكِ هُوَ عَلَيَّ هَيِّنٌ وَلِنَجْعَلَهُ آيَةً لِلنَّاسِ وَرَحْمَةً مِّنَّا وَكَانَ أَمْرًا مَّقْضِيًّا
    በላ'ሞ ውሳኔ ናይ ረቢ ምዃኑ ፈሊጣ ተቐበለቶ:: ብተወሳኺ ረቢ (ሱ.ወ) ንሰይድና ዒሳ (ዓ.ሰ) ብዙሕ ተኣምራት ከምዝገብርን ብቆልዕኡ ከምዝዛረብን ጌሩዎ:: ኣብ ሕቕፎ ኣዱኡ እንከሎ ብንጹርን ብሩህን ዝኾነ ቃላት ባርያ ናይ ረቢ ምዃኑን: ካብ ረቢ መጽሓፍ ዝተዋህቦ ነብይ ምዃኑን ብቃሉ መስኪሩ:: ኣብ ዝሃለዎ ሃልዩ ድማ ክቡር ከምዝገብሮም: ክሳብ ብሂወቱ ዘሎ ብሰላትን ብዘካትን ረቢ ከምዝኣዘዞ: በታ ወላዲቱ ስትና መርየም (ዓ.ሰ) ድማ ምእዙዝን ትሑትን ክኸውን ከምዘብቅዖ ተዛሪቡ:: እታ ዝተወልደላ መዓልትን: ዝሞተላ መዓልትን: ከምሰቡ ካብ ቀብሪ ዝትሰኣላ መዓልትን ድማ ረቢ ሰላም ጌርሉን ክገብረሉ ምዃኑን ሓቢሩ::


    قَالَ إِنِّي عَبْدُ اللَّهِ آتَانِيَ الْكِتَابَ وَجَعَلَنِي نَبِيًّا وَجَعَلَنِي مُبَارَكًا أَيْنَ مَا كُنتُ وَأَوْصَانِي بِالصَّلاةِ وَالزَّكَاةِ مَا دُمْتُ حَيًّا وَبَرًّا بِوَالِدَتِي وَلَمْ يَجْعَلْنِي جَبَّارًا شَقِيًّا وَالسَّلامُ عَلَيَّ يَوْمَ وُلِدتُّ وَيَوْمَ أَمُوتُ وَيَوْمَ أُبْعَثُ حَيًّا



    ረቢ (ሱ.ወ) ንሰይድና ዒሳ ማእለያ ዘይብሉ ሙዕጅዛታት (ተኣምራት) ክገብር ኣብቂዕዎ::: ለኻታትን ዕውራትን ከሕውን (ብሓይሊ ረቢ): ምውት ከተስእ (ብሓይሊ ረቢ): ሰባት ኣብ ገዝኦም እንታይ ከምዝበልዑን እንታይ ከዚኖም ከምዘለውን ክሕብሮም: ጭቃ ብመሰል ጭሩ ሰሪሑ ኡፍ ምስ በለላ ሂወት ዘሪኣ ከም ትነፍር ክግብር (ብሓይሊ ረቢ): ረቢ ኣኽኢልዎ እዩ::



    وَرَسُولاً إِلَى بَنِي إِسْرَائِيلَ أَنِّي قَدْ جِئْتُكُم بِآيَةٍ مِّن رَّبِّكُمْ أَنِّي أَخْلُقُ لَكُم مِّنَ الطِّينِ كَهَيْئَةِ الطَّيْرِ فَأَنفُخُ فِيهِ فَيَكُونُ طَيْرًا بِإِذْنِ اللَّهِ وَأُبْرِئُ الأَكْمَهَ وَالأَبْرَصَ وَأُحْيِي الْمَوْتَى بِإِذْنِ اللَّهِ وَأُنَبِّئُكُم بِمَا تَأْكُلُونَ وَمَا تَدَّخِرُونَ فِي بُيُوتِكُمْ إِنَّ فِي ذَلِكَ لآيَةً لَّكُمْ إِن كُنتُم مُّؤْمِنِينَ


    ሰይድና ዒሳ (ዓ.ሰ) ካብ ሰማይ ረቢ መኣዲ ከውርደሎም ዱዓ ምስ ገብሩ: ረቢ ዱዓኦም ተቐቢሉ መኣዲ ካብ ሰማይ ኣውሪድሎም እቶም ዝኸሓዱ ምእንቲ ክኣምኑን ርእዮም ክምስክሩን:: ኣብዛ ዓለም ኣበሳርን ኣጠንቃቕን ኮይኖም ንደቂ ሰባት መንገዲ ሓቅን ሂዳያን እንዳሓበሩ: ብሰናይ ተግባር እንዳእዘዙ: ካብ ሕማቕ ተግባራት እንዳኸልከሉን: ምምጻእ ናይ ሰይድና ሙሓመድ (ሰ.ዓ.ወ) ብሽሞምን ብመግለጺታቶምን ጠቒሶም እንዳኣበሰሩን ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብዛ ምድሪ ዓለም ነቢሮም:: ረቢ ነዚ ክነግረና እንከሎ:-



    وَإِذْ قَالَ عِيسَى ابْنُ مَرْيَمَ يَا بَنِي إِسْرَائِيلَ إِنِّي رَسُولُ اللَّهِ إِلَيْكُم مُّصَدِّقًا لِّمَا بَيْنَ يَدَيَّ مِنَ التَّوْرَاةِ وَمُبَشِّرًا بِرَسُولٍ يَأْتِي مِن بَعْدِي اسْمُهُ أَحْمَدُ فَلَمَّا جَاءَهُم بِالْبَيِّنَاتِ قَالُوا هَذَا سِحْرٌ مُّبِينٌ



    ክቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ: መጀመርታ ረቢ ንሰይድና ዒሳ ኣብ ሕቕፎ ኣዲኡ ጌና ሽዑ ተወሊዱ ሕቃፍ እንከሎ ምስ ኣዛረቦ: ሰይድና ዒሳ (ዓ.ሰ) '' ኣነ ባርያ ናይ ረቢ እየ!!'' ኢሉ እዩ ናይ መጀመርታ ኣፉ ዝኸፈተ: ኣነ ነብይ እየ ኣነ ረሱል እየ ኢሉ ኣይጀመረን: እንታይ ደኣ ''ኣነ ባርያ ናይ ረቢ (ዓቡላህ) እየ!'' ኢሉ እዩ ዝመስከረ:: እቲ ብቖልዕኡ ክዛረብ ዝገበሮ ረቢ (ሱ.ወ) ይፈልጥ ኔሩ እዩ: ደቂ-ሰባት: ዒሳ ፈጣሪ እዩ: ዒሳ ወዲ ረቢ እዩ: ወይ'ውን ዒሳ ሓደ ካብ ሰለስተ ስላሴ እዩ ክብሉን ኣጉል እምነት ከተኣታትው ምኻኖምን:: በዚ ምኽንያት ረቢ (ሱ.ወ) እታ ናይ መጀመርታ ምስክሩ ባርያ ናይ ረቢ ምዃኑ ከምዝምስክር ጌርዎ::


    ረቢ ነቶም ዒሳ ፈጣሪ እዩ: ኣካል ናይ ሰለስተ ስላሴ' ዩ፥ ወይውን ወዲ ኣምላኽ' ዩ ኢሎም ዝኣምኑ ዘለው ሰባት ክምልሰሎም እንከሎ ከምዚ ይብሎም:-


    لَقَدْ كَفَرَ الَّذِينَ قَالُواْ إِنَّ اللَّهَ هُوَ الْمَسِيحُ ابْنُ مَرْيَمَ وَقَالَ الْمَسِيحُ يَا بَنِي إِسْرَائِيلَ اعْبُدُواْ اللَّهَ رَبِّي وَرَبَّكُمْ إِنَّهُ مَن يُشْرِكْ بِاللَّهِ فَقَدْ حَرَّمَ اللَّهُ عَلَيْهِ الْجَنَّةَ وَمَأْوَاهُ النَّارُ وَمَا لِلظَّالِمِينَ مِنْ أَنصَار

    ٍ

    ''እቶም የሱስ ኣምላኽ (ፈጣሪ) እዩ ዝበሉ ክሒዶም እዮም: መሲሕ (ዒሳ) ከምዚ በሎም: ኦ ደቂ እስራኤል ንኣላህ ተገዝኡ: ነቲ ረበይን ረብኹምን (ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን)'':: ኣብ ካልእ ኣያ ድማ



    لَّقَدْ كَفَرَ الَّذِينَ قَالُواْ إِنَّ اللَّهَ ثَالِثُ ثَلاثَةٍ وَمَا مِنْ إِلَهٍ إِلاَّ إِلَهٌ وَاحِدٌ وَإِن لَّمْ يَنتَهُواْ عَمَّا يَقُولُونَ لَيَمَسَّنَّ الَّذِينَ كَفَرُواْ مِنْهُمْ عَذَابٌ أَلِيمٌ


    ''እቶም ኣምላኽ ሰለስተ ስላሴ እዩ ዝበሉ: ክሒዶም እዮም: ብጀካ ሓደ ኣላህ ካልእ ፈጣሪ የልቦን: ካብዚ ዝብልዎ ዘለዎ እንተዘይትቖጢቦም: ነቶም ዝኸሓዱ ካብኣቶም ኣቐንዛዊ መቕጻዕቲ ክበጽሖም እዩ''


    ንሕና ከም ሙስሊሚን እምነትና ኣብ ሰይድና ዒሳ: ሰብ ከምቶም ካልኦት ሰባት: ነብይ ከምቶም ካልኦት ነብያት ካብ ረቢ ተላኢኹ ዝመጸ መልእኽተኛ ምዃኑ ኢና ንኣምን:: ዒሳ (ዓ.ሰ) ይበልዕ ይሰትይ: ኣብ ሹቕ ይንቀሳቀስ: ግን ረቢ ኣብሊጽዎ: ነዚ ተኣምራት እዚ ሓርይዎ: ዝተባረከን ካብቶም ''ኡሉል-ዓዝም'' ዝተባህሉ ረቢ ዝሓረዮምን ዝመረጾምን ሓሙሽተ ዓበይቲ ነብያት ጌርዎ::


    ረቢ (ሱ.ወ) ካብዚ ኩሉ መሰረት ዘይብሉ ኣጉል እምነትን ናይ ሓሶት መንገድን ረቢ ኣድሒኑ ንሰይድና ዒሳ በቲ ናይ ብሓቂ መንነቱ ክንፈልጦ ዝመረጸና ንረቢ ምስጋና ይኹኖ!

    ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ኣብ ሓዲስ:-'' ሓደ ኣላህ ኢሉ: ኣነ ነብይ ምዃነይ ዝመስከረ: ከምኡ'ውን ዒሳ (ዓ.ሰ) ባርያን ልኡኽ ናይ ረቢ ምዃኑ ዝኣመነን ንጀና እዩ'' ኢሎም:: ስለዚ ክቡራት የሕዋተይ ሱር ዝሰደድ ነቕ ነቕ ዘይብል ኣብ ረቢ እምነት ክህልወናን: በቲ ብዛዕባ ሰይድና ዒሳ ዝግበር ናይ ሓሶት እምነትን ክንደናገርን ክንጠራጠርን ኣይግበኣናን እዩ::


    ሰይድና ዒሳ (ዓ.ሰ) ዳዕዋ እንዳገበረ ናብ መንገዲ ሓቂ እንዳጸወዐ እንከሎ: የሁድ ነብሶም ምኽኣል ኣብይዎም: ጽልኦም ገንፊሉ ክሰቕልዎ: ክቐትልዎን ከጋፍዕዎን ውዲት ወጠኑ: ግን ረቢ (ሱ.ወ) ነዚ ውዲቶም ፈሊጡ ንሰይድና ዒሳ ኣሕሊፉ ኣይሃቦምን: ኣድሓኖም ደኣ:: ረቢ (ሱ.ወ) ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ቁርኣን ከምዚ ይብል:-


    وَقَوْلِهِمْ إِنَّا قَتَلْنَا الْمَسِيحَ عِيسَى ابْنَ مَرْيَمَ رَسُولَ اللَّهِ وَمَا قَتَلُوهُ وَمَا صَلَبُوهُ وَلَكِن شُبِّهَ لَهُمْ وَإِنَّ الَّذِينَ اخْتَلَفُواْ فِيهِ لَفِي شَكٍّ مِّنْهُ مَا لَهُم بِهِ مِنْ عِلْمٍ إِلاَّ اتِّبَاعَ الظَّنِّ وَمَا قَتَلُوهُ يَقِينًا بَل رَّفَعَهُ اللَّهُ إِلَيْهِ وَكَانَ اللَّهُ عَزِيزًا حَكِيمًا


    ኣብ መርየም እከይ ዝኾነ ዘረባ ተዛሪቦም: ንዒሳ ቀቲልናዮ'ውን ኢሎም: ግን ኣይቀተልዎ: ኣይሰለብዎ (ኣይሰቐልዎን): መሲልዎም ደኣ እምበር: እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተፈላለየ ርእይቶ ዘለዎም ኣብ ጥርጣረ እዮም ዘለዉ: ወላሓንቲ ፍልጠት የብሎምን ብጀካ ጥርጠራ: ብሓቂ ኣይቀተልዎን: ረቢ ደኣ ናብኡ ወሲድዎ እምበር.....

    ሰይድና ዒሳ (ዓ.ሰ) ኣብ ካላኣይ ሰማይ ከምዘለዉ: ሰይድና ሙሓመድ(ሰ.ዓ.ወ) ንሰማይ ኣብ ዝዓረግሉ ግዜ (ኣብ ግዜ ሚዕራጅ) ከምዝረኸብዎም ኣብ ሓዲስ ነጊሮምና እዮም:: ብተወሳኺ ቅድሚ መዓልቲ ቅያማ ደጊሙ ክምለስ ምዃኑን ኣብ መሬት ፍትሒ ኣንጊሱ ን40 ዓመታት በቲ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ሒዘሞ ዝመጹ ቁርኣንን ሸሪዓን ክመርሑ ምዃኖምን: ሰላት ከምታ ረሱል ዝሰገድዋ ሕጂ ንሰግዳ ዘለና ክሰግዱ ምዃኖምን ንመስቀል ሰይሮም: ንሓሰማን ንደጃልን ክቐትሉ ምዃኖምን ብሰፊሑ ኣብ ሓዲስ ናይ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ንረኽቦ::


    ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት ሰይድና ዒሳ (ዓ.ሰ) ዳግማይ ናብ መሬት ምምጻእ ነዘን ዝስዕባ ምኽንያታት የጠቓልል:-


    - ነቶም ቀቲልናዮ: ሰቒልናዮ ዝብሉ ዘለው የሁድ: ዘረበኦም ሓሶት ምዃኑን እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑን ንምብራህ:


    - ነቶም ተቐቲሉ: ብሰንክና ካብ ዘንብና ከናግፈና እዩ መጺኡ ዝብሉ ዘለው ክርስትያን ድማ: ዒሳ (ዓ.ሰ) ልኡኽ እምበር ፈጣሪ ከምዘይኮነ ብግብሪ ንምንጋር:
    - ሰይድና ዒሳ (ዓ.ሰ) ናብ መሬት መጺኦም ከም ሰቦም እታ ዘይትተርፍ ሞት ቀሚሶም ኣብ መሬት ክቕበሩ ምኽንያቱ ኩላትና ካብ ሓመድ መምለሲትና ድማ ናብ ሓመድ ስለዝኾነ:
    ነዚ ኣመልኪቱ ረቢ ኣብ ቁርኣን:-'' ኣብነት ናይ ዒሳ ኣብ ቅድሚ ረቢ እካ ልክዕ ከምቲ ናይ ኣደም እዩ: ካብ መሬት እዩ ተኸሊቑ ኩን! ይብሎ ይኸውን!''


    إِنَّ مَثَلَ عِيسَى عِندَ اللَّهِ كَمَثَلِ آدَمَ خَلَقَهُ مِن تُرَابٍ ثُمَّ قَالَ لَهُ كُن فَيَكُونُ


    ክቡራት ሙስሊሚን የሕዋተይ: ኣብ ዝተፈላለይ ሓዲሳት ናይ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ብዛዕባ ዳግማይ ምምጻእ ናይ ሰይድና ዒሳ ተዘኪሩ ኣሎ: ንሕና ድማ ከም ሙስሊሚን መጠን እምነትና ንጹር: ኣራኣእይና ብሩህ እዩ:: ሰይድና ዒሳ (ዓ.ሰ) ናብ በኒ-ኢስራኤል ተላኢኾም ምስ መጹ ከም ነብይ ኣይኣመንሎምን ጥራይ ዘይኮነ ክቐትልዎም ተበጊሶም: ክርስትያን ድማ ፈጣሪ ብመሰል ሰብ ኮይኑ ንዓና ከድሕን ዝመጸ ኣምላኽ እዩ ብምባል ከምልኽዎ ጀመሩ: ሱብሓነላህ ረቢ (ሱ.ወ) ምስ ኩሉ ክብረቱ: ልዕልንኡ: ሓይሉን ፍልጠቱን ንሰብ ተመሲሉ ናብ መሬት መጺኡ: መግቢ በሊዑ: ሰትዩ: ካብ ጋል ኣንስተይቲ ተወሊዱ: ሓሚሙ: ተሃሪሙ: ተቐንዝዩ: ተጸፊዑ: ብጸላእቱ ተቐጥቂጡ: ሞይቱ: ተሰቒሉ ክትብልሲ ካብዚ ዝዓቢ ኩፍርን ክሕደትን እንታይ ኮን ይህሉ?


    ክቡራት ሙስሊሚን የሕዋተይ በዚ ኣጋጣሚ: ክርስትያን ብምኽንያት ምውላድ ናይ ሰይድና ዒሳ ተባሂሉ ዝገብርዎ ግብጃ ኮነ ፌስታ ከይድካ ምስኦም ክትውዕልን: እንኳዕ ኣብጻሓኩም ኢልካ ምምጋስን ሓደ ካብቲ ከየስተብሃልና ንውዕሎ ጌጋታት እዮ እሞ: ዘንቢ ምዃኑ ፈሊጥና ክንቁጦብ ይግበኣና: ምኽንያቱ ከምኡ ምግባር ማለት ነቲ ናይ ኩፍሪ እምነቶም ተጽድቐሎምን ትድግፈሎም ኣለኻ ማለት ስለዝኾነ::

    ንሕና ሙስልሚን ግና ኣልሓምዱሊላህ እቲ ቅኑዕ መንነቱ: ነብይ ምዃኑን: ባርያን ልኡኽን ናይ ረቢ ምዃኑን ኣሚንና ንሰይድና ዒሳ (ዓ.ሰ) ንፈትዎምን ነኽብሮምን::

    ያ ረብ!! ሙስሊሚን ጌርካ ኣብ ተውሒድ ኣንቢርካ ኣብ እስልምና ቅተለና: መንገዲ ሓቂ ሒዝና ንሓቂ ንጽውዕ ግበረና እምበር ካብቶም ጠፊኦም ንመንገዲ ጥፍኣት ዝዕድሙ ኣይትግበረና: ንዝፈተወካ ክንፈቱ: ንዝተጻባኣካ ክንጻባእ ወፍቐና::
    እቲ ክንዲ ኩሉ ዝኾነ ዲንና ኣቑመልና: እዛ ንነብረላ ኣዱንያ ኣጸብቐልና: እታ መምለሲትና ዝኾነት ኣኼራ ኣጸብቐልና: ብሂወት ምንባርና ንጽቡቕና: ሞት ኣብ ትመጸና ግዜ ድማ ካብ ኩሉ ሸር ዕረፍቲ ግበረልና::



    ኣሰላሙ ዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካቱሁ!